Kakor (cookies)

Kakor på uppsala.se

Vi använder nödvändiga kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera.

Vi skulle vilja sätta lite fler kakor för olika funktioner som hjälper dig som användare.
Vi vill också sätta kakor för statistik så vi kan analysera och förbättra webbplatsen.
Du kan när du vill ändra dina inställningar.

ትግርኛ (tigrinja)

መበገሲ ገጽ

ናብ ኡፕሳላ እንኳዕ ደሓን መጻእኹም! ኣብዚኣ ከተማ ልዕሊ 200,000 ተቐማጣይ ህዝቢ ኣሎ። እቲ ቤት ማዘጋጃ ከም ክንክን ህጻናት፣ ኣብያተ ትምህርቲን ኣረጋዊያን ናይ ምክንካን ዝኣምሰሉ ንጥፈታት ናይ ምስላጥ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ቤት ማዘጋጃ ኣብ መዳይ ቐረብ ጽሩይ ማይን ዘይጽሩይ ማይ ናይ ምጽራይ ስራሕ የሳልጥ እዩ፤ ከምኡውን ጎዳናታት የማሓድር፣ ጎሓፍ ናይ ምውጋድ፣ ጎዳናታት ናይ ምጽራይ፣ ኣካባቢ ናይ ምሕላውን ሓደጋ ባርዕ ናይ ምክልኻልን ንጥፈታት የሳልጥን የማሓድርን እዩ። ካብዚ ብተወሳኺውን ኣብያተ መጻሕፍት ኣለውና ከምኡውን ኣብ ናጻ ግዜኹም ናብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትበጽሑ ከምእትኽእሉ ነረጋግጽ ኢና። ዘፈር ስራሕ ንግዲ፣ ሓይሊን ኣባይቲን ንምትብባዕ ጎስጓስ ንገብር ኢና። ከምኡውን ኻልኦት ሓያሎ ንጥፈታት ነሳልጥ ኢና። ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ተቐማጦ ዝኾኑ ሰባት እቲ ቤት ማዘጋጃ ብዝህቦም ኣገልግሎታት ዕግበት ምርካቦም ንኣና ኣዚዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ።

ቤት ማዘጋጃ እታ ከተማ ብሓላፍነት ኣብ ዝነጥፈሎም ዘፈራትን ከባቢታትን ዝሳለጡ ነገራት እንታይ ከምዝኾኑ ብዝያዳ ንምፍላጥ ኣብዚ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ። ናይ መርበብ መጋጠሚታት ወይ ሊንክታት ብቋንቋ ሽወደን ተወሳኺ ሓበሬታ ናብእትረኽበሉ መርበብ የብጽሑኻ እዮም። ምስ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር እታ ከተማ ወይ ምስ ቤት ማዘጋጃ ክትዘራረብ እንተደሊኻ ብናትካ ቋንቋ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፤ ነዙይውን ክተዘራርቦ ናብእትደልዮ ዲፓርትመንት ተወከስ፤ ኣገዳሲ እንተኾይኑድማ ኣስተርጓማይ የቕርቡልኻ እዮም።

ቋንቋ ሽወደን ተምሃር

ቋንቋ ሽወደን ንሰደተኛታት፤ SFI ናይ ቋንቋ ሽወደንን ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደንን መሰረታዊ ትምህርቲ ይህብ። እቲ ትምህርቲ ዝተዳለወ ናይ መበቆል ቋንቋኦም ቋንቋ ሽወደን ንዘይኾነ ኣበይቲ ሰባት እዩ። ኣብ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ኡፕሳላ እንተተመዝጊብኹም ፣ ናይ ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማ ወይ ተመጣጣኒ ወረቐት፣ ቀዋሚ ናይ ሲቪላዊ ምዝገባ ቍጽሪ እንተሓሊዩኩምን ዝዕድመኹም ልዕሊ 20 ዓመት እንተኾይኑን ቋንቋ ሽወደን ንሰደተኛታት፤ ኣብ SFI ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። ረቋሒታት ትምህርቲ SFI እንተድኣ ዘየማላእኹም ኮይኑ ግና ቋንቋ ሽወደን ክትምሃሩ እንተደሊኹም፤ ብዛዕባ እቲ ቤት ትምህርቲ ሓበሬታ ክትረኽቡ ምእንታን ናብቲ ማእከል ተወከሱ።
 ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ መርበብ ሓበሬታ SFI ተወከሱ

ጥዕናን ክንክንን

እቲ ቤት ማዘጋጃ ኩሎም ዜጋታት ንመነባብሮኦም ሓላፍነቶም ንምውሳድ ዘድልዮም ሓገዝ ከምዝረኽቡ ከረጋግጽ ኣለዎ። ናይ ሓገዝ ኣገዳሲነት ከም ዕድመ፣ ስንኩልነት ኣካል ወይ ኣብ መንጎ ናይ ቐረባ ርክብ ዝፍጸም ተግባር ዓመጽ ካብ ዝኣምሰሉ ነገራት ዝተመርኰሰ ይኸውን። ሓገዝ ክበሃል ኮሎ ኣብ ገዛ ዝወሃብ ድጋፍ፣ ናይ መራኸቢ ነጥብታት፣ ናይ ዕላል ቴራፒ ወይ ሓገዝ ኽኢላ ሕጊ ዝኣምሰሉ ነገራት ከጠቓልል ይኽእል።
ብዛዕባ ጥዕናን ክንክንን ንዝያዳ ሓበሬታ ተወከሱ

ትምህርቲ

ዕድመኦም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝኾኖም ህጻናት ትምህርቲ መዋዕለ ህጻናት ክመሃሩ ይኽእሉ። ካብ ሰለስተ ዓመት ዕድመ ጀሚሮም ትምህርቲ መዋዕለ ህጻናት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ዕድመኦም ካብ 6 ክሳብ 15 ዓመት ዝኾኖም ቆልዑት ብመሰረት ሕጊ ሽወደን ንትሽዓንተ ዓመት ዝወሃብ መሰረታዊ ትምህርቲ (ካብ 1ይ ክሳብ 9ይ) ክመሃሩ ኣለዎም። ግድነት ዘለዎ ናይ ትሽዓንተ ዓመት ትምህርቲ ዝዛዘሙ መናእሰያት ላዕላይ ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንክመሃሩ ክመርጹ ይኽእሉ እዮም። ካብኡ ደሓር ድማ ንትምህርቲ ኮሌጅ፣ ዩኒቨርስቲ፣ ስሩዕ ትምህርቲ ኻልኣይ ብርኪን ናይ ኣበይቲ ሰባት ትምህርቲን ኣጠቓሊሉ ኻልኦት ሓያሎ ምርጫታት ትምህርቲ ኣለዉ። ዝኾነ ዕድመ ንዘለዎም ህጻናት ውልቃዊን እቲ ቤት ማዘጋጃ ዝውንኖምን ኣብያተ ትምህርቲ ቅሩብ እዮም፤ ከምኡውን ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ዝትደልዩዎ ቤት ትምህርቲ ክትመርጹ ትኽእሉ። 
ብዛዕባ ትምህርቲ ንዝያዳ ሓበሬታ ተወከሱ

ስራሕ

ናይ ሽወደን ኣገልግሎት ህዝባዊ ኩሎም ስራሕ ስራሕ ዝደልዩ ሰባት ምስ ኣስረሕቲ ኣካላት ከምዝራኸቡ ንምርግጋጽ ኣገዳሲ ንጥፈታት የሳልጥ። ናይ ሽወደን ኣገልግሎት ህዝባዊ ስራሕ መንግስታዊን ክፍሊት ዘይሓትትን ኤጀንሲ እዩ። እቲ ቤት ማዘጋጃ ብዛዕባ ስራሕ ንሰራሕተኛታት ምልክታ ብምውጻእ ሓበሬታ ይህብ ከምኡውን ምስ ናይ ሽወደን ኣገልግሎት ህዝባዊ ስራሕ ብምትሕብባር ይሰርሕ።
ብዛዕባ ናይ ሽወደን ኣገልግሎት ህዝባዊ ስራሕ ንዝያዳ ሓበሬታ ተወከሱ።

መንበሪ ኣባይቲ

ኣብ ኡፕሳላ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ናይ ቤት ማዘጋጃ ሓገዝ ናይ ዝጽበዩ ሰባት ሪጋ ኣሎ። እቲ ቤት ማዘጋጃ ዝውንኖም መንበሪ ኣባይቲ ብኡፕሳላሄም ዝመሓደሩን ንክራይ ዝተዳለዉን ኣፓርትመንትታት ወሲኾም እዮም። ከምኡውን ብውልቀ ሰባት ወይ ትካላት ዝካረዩ ኣፓርትመንትታት ኣለዉ።
ብዛዕባ ኡፕሳላሄም ንዝያዳ ሓበሬታ ተወከሱ
ዝያዳ ሓበሬታ ንተምሃሮ

ብውልቀ ሰብ ወይ ብብሕታዊ ትካል ዝውነን ኣፓርታማ ናይ ምዕዳግ ተኽእሎ እንተሓሊዩካ መንበሪ ገዛ ብቕልጡፍ ናይ ምርካብ ዕድልካ ኣዚዩ ዝለኣለ እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓገዝ ክገብሩልኻ ዝኽእሉ ሓያሎ ወኪላት ብሕታዊ ትካል ኣለዋ።

ኣብያተ መጻሕፍቲን ባህሊን

ኣብ ኣብያተ መጻሕፍት ንኣብነት መጻሕፍቲ ክትዋሓስ፣ ብሓያሎ ቋንቋታት ዝተጽሓፉ ጋዜጣታት ክተንብብን ሓበሬታ ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ። እቲ ቤት ማዘጋጃ ካብዚ ብተወሳኺ ናጻ ኣብዝትኾነሉ እዋን ናብ ሙዚየማት ክትበጽሕ፣ ናብ ኮንሰርትታት ክትኸይድን ኣብ ንጥፈታት ስፖርት ክትሳተፍን ከምእትኽእል የረጋግጽ።
ብዛዕባ ባህሊን ስፖርትታን ንዝያዳ ሓበሬታ ተወከሱ

ህጹጽ ሓገዝ እንተድኣ ደሊኹም

እቲ ቤት ማዘጋጃ ብቐንዲ ብርጌድ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ዝሓቖፈ ሓደጋ ናይ ምክልኻል ኣገልግሎት ምሃብ እዩ። ህጹጽ ሓገዝ ደሊኹም ንኦም ወይ ንፖሊስ ወይ ኣምቡላንስ ምርካብ ክትደልዩ ከለኹም ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 112 ደውሉ። እዚ ቍጽሪ ተሌፎን ንኩሎም ህጹጽ ሓገዝ ንዝደልዩ ጸገማት ናብ ዘተሓባብር ማእኸል የምርሕ እዩ።

ብዛዕባ ህጹጽ ሓገዝ ንዝያዳ ሓበሬታ ተወከሱ። ህጹጽ ዘይኾነ ስሩዕ ሓገዝ ኣበይ ከምእትረኽቡ ኣብዚ ግቡእ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤ ንኣብነት ናይ ምፍርራሕ ተግባር እንተድኣ ተጓኒፍኩም፣ ድጋፍ እንተደሊኹም ወይ ብኣባል ቤተሰብ ዝፍጸም ተግባር ዓመጽ እንተድኣ ተቃሊእኹም።